ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ 9ይ ናይ ምድብ ፀወታኣ ክተካይድ ኢያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዓ ዓለም 9ይ ናይ ምድብ ፀወታኣ ሎሚ መዓልቲ ምስ ጊኒ ቢሳው ክተካይድ ኢያ፡፡
ካብ ውድድር ፅዋዕ ዓለም 2026 ምስንባታ ኣቐዲማ ዘረጋገፀት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ፤ መርሃ ግብሪ ንምምላእ ኢያ ክትፃት፡፡
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብቲ መፃረዪ ካብ ዝገበረቶም 8 ፀወታታት 1 ፀወታ ጥራሕ እንትትስዕር÷ ኣብ ሰለስተ ማዕረ ከምኡ እውን ኣርባዕተ ፀወታታት ተሳዒራ፡፡
በዚ ድማ ብ6 ነጥቢ ኣብ 5ይ ደረጃ ትርከብ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!