Fana: At a Speed of Life!

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ተበፃሕነት ፍትሒ ንዜጋታት ኣዝዮም ኣድለይቲ ካብ መንጎ ዝኾኑ ጉዳያት ሓደ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ቴክኖሎጂ ዝመርሖ ምዝማን ጠመተ ዝገበረ ስትራቴጂ ዲጂታል 2025 ብዓወት ምዝዛም ስዒቡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዝበለፀ ናይ ማሽን እታዎት (ኣቶሜሽን) ብምጥቃም ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዘጠናኽር ዲጂታል 2030 ኣጀሚርና ኢና ኢሎም።

ተበፃሕነት ፍትሒ ንዜጋታት ኣዝዩ ኣድላዪ ካብ መንጎ ዝኾኑ ጉዳያት ሓደ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ስሉጥ፣ ግልፅን ውፅኢታዊን ዝኾነ ሰርዓት ንምህናፅ ብፅንዓት ይሰርሕ ምህላዉ እውን ኣብሪሆም።

ሎሚ ከይዲታት ፍትሒ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ብኣግባቡ ምቕደሖም ንምርግጋፅ ድምፂ ናብ ፅሑፍ ናይ ምቕያር ኢሉ እውን ብዘተኣማምን ኩነታት ተሓሊዮም ዝፀንሕሉ ስማርት ስርዓት ፍርዲ ብምልማዕ ብምርኣየይ ታሕጓስ ተሰሚዑኒ ኢሎም።

እቲ ስርዓት ፈትሒ ደለይቲ ናብ ኣደስ ኣበባ ተጓዒዞም ብኣካል ኣብ መጋባእያ ምርካብ እንተየድለየ ኣብ ዘለውሉ ብምዃን ጉዳዮም ንምክትታል ዘኽእሎም ኢዩ ከብሉ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ዝለምዑ ናይ Network Operation Center ን Integrated Case Management Systemን ከይዲ ፍርዲ ሰብ ጉዳይ ብዲጂታል መሳርሒታት ጉዳዮም ንክከታተሉ ከምዘኽእሉ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን 24 ዘፈራት ፌዴራል በቲ ስርዓት ተበፃሕቲ ዝተገበሩ ምዃኖም ዘተባብዕ እንትኸውነ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ክልላት ከምዝስፋሕፋሕ ተስፋ ኣለኒ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.