Fana: At a Speed of Life!

ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ዝቐረቡሉ ሰለስ ኣጀንዳታት ብምፅዳቕ እቲ ጉባኤ እናካየደ ይርከብ፡፡

ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ወይዘሮ ቡዜና ኣልከድር ሰለስቲኦም ኣጀንዳታት ናብቲ ቤት ምኽሪ ዘቕረባ እንትኾና÷ እቲ ቤት ምኽሪ ድማ ዝቐረቡሉ ኣጀንዳታት ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ፡፡

እቲ ጉባኤ ካብዚ ብምቕፃል ቃለ ጉባኤ ስሩዕ ጉባኤ 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ እቲ ቤት ምኽሪ ብምዝታይ ኣፅዲቑ፡፡

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝተመረሉ ከባቢ ምስ መራፂ ህዝቢ ኣብ ዝገበሩዎ መድረኽ ዘተ ዝተልዓሉ ሕቶታት ንከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ እናቕረቡ ይርከቡ፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ድማ ብዝቐርቡ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ዝህባ እንትኾና÷ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ሳልሳይ ኣጀንዳኡ ዝተፈላለዩ ሽመታት ከፅድቕ ኢዩ ዘብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.