Fana: At a Speed of Life!

ሰንደቕ ዕላማና ምልክት ጉዕዞ ምብራኽና ኢዩ – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰንደቕ ዕላማና ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ፈጣሪ ምዃንና እነርእየሉ ምልክት ጉዕዞ ምብራኽ ኢዩ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ።

መበል 18 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ‘ሰንደቕ ዕላማና ንብስራት ዘበን ብራኸ ኢትዮጵያ፣ ብሄራዊ ሓድነትና፣ ሉኣላዊነትናን ህዳሰ ኢትዮጵያን’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት እናተኸበረ ይርከብ።

ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ሰንደቕ ዕላማና መግለፂ ብዙሕነትና፣ ማሕርነትነናን ህብረ ብሄራዊ ሓድነትናን ኢዩ።

እቲ ዕለት ንሰንደቕ ዕላማና ክንህቦ ዝግባእ ክብሪን ቃል ኪዳንና እነሕድሰሉን ከምኡ እውን ብሄራዊ መንፈስ ሓርበኛነት እነለዓዕለሉ ዓብዪ ዕለት ኢዩ ኢሎም።

እቲ ሰንደቕ ዕላማ ናይ ውሽጢን ደገን ፀላእቲ ክሰብሩዎ ዘይኽእሉ ድፋዕ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ሉኣላዊነት ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

“ሰንደቕ ዕላማማና ፈተናታት ብፅንዓት ተሳጊርና ኣፍሪካዊት ተምሳሌት ልምዓት ዝኾነት ሃገር ናይ ምህናፅ ዓቕምና እነጎልብተሉ ኢሉ እውን ዓለም ለኻዊ ፅዕንቶ ፈጣራይነትና እነርእየሉ ምልክት ጉዕዞ ብራኸ ኢዩ”ክብሉ እውን ኣመልኪቶም።

ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.