ሪያል ማድሪድ ምስ ጁቬንቱስ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሳልሳይ ዙር ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሪያል ማድሪድ ምስ ጁቬንቱስ ከምኡ እውን ጀርመናዊት ጋንታ ኣይንትራክት ፍራንክፈርት ምስ እንግሊዛዊት ጋንታ ሊቨርፑል ሎሚ ምሸት ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ሪያል ማድሪድን ጁቬንቱስን ኣብ ሳንቲያጎ ቤርናብዩ ምሸት ሰዓት 4 ክካየድ ኢዩ፡፡
ሪያል ማድሪድ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ዓወት ዝቐንዖ እንትኸውን÷ ጁቬንቱስ ድማ ዘካየደቶም ክልተ ፀወታታት ብማዕረ ውፅኢት ዛዚማ።
ብተመሳሳሊ ሰዓት ናብ ጀርመን ብምጉዓዝ ምስ ኣይንትራክት ፍራንክፈርት ትፃወት ሊቨርፑል ከቢድ ፈተና ከምዝፅበያ ይግመት፡፡
ኣብ ኩሎም ውድድራት ብተኸታታሊ 4 ፀወታታት ስዕረት ዘተኣናገደት ጋንታ ኣንፊልድ ናይ ሎሚ ፀወታ እንተተሳዒራ ብተኸታታሊ 5 ግዘ ብምስዓር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1953 ንደሓር ዝኸፍአ ውፅኢት ብምምዝጋብ ናይ ባዕላ ታሪኽ ክተመሓይሽ ኢያ፡፡
ብተመሳሳሊ ሰዓት ምሸተ 4፡00 ጣሊያናዊት ጋንታ ኣታላንታ ምስ ስላቪያ ፕራግ፣ ባየር ሙኒክ ምስ ቤልጂዬማዊት ጋንታ ብሩገ፣ ቼልሲ ምስ ኣያክስ ኣምስተርዳም፣ ሞናኮ ምስ ቶተንሃም ሆትስፐር ከምኡ እውን ስፖርቲንግ ሊዝበን ምስ ማርሴይ ክፃወታ ኢየን፡፡
ምሸት ሰዓት 1፡45 ድማ ስስፔናዊት ኣትሌቲክ ክለብ ምስ ኣዘርባጃናዊት ጋንታ ካራባግ ከምኡ እውን ቱርካዊት ጋላታሳራይ ምስ ጋንታ ኖርዌይ ቦዶ ግሊምት ክራኸባ ኢየን፡፡
ብኣቤል ነዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!