ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ብሕልፈት ህይወት ላጲሶ ጌ’ዴሌቦ (ፕ/ር) ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ብሕልፈት ህይወት ላጲሶ ጌ’ዴሌቦ (ፕ/ር) ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ህቡብ ናይ ታሪክ ምሁር ላዺሶ ጌ’ዴሌቦ (ፕ/ር) ብሕክምና ክሕገዙ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ ምዕራፎም ልዑል ሓዘን ተሰሚዑኒ ኢሎም።
ነፍሶም ኣብ ኣፀደ ገነት ንክነብርን ንስድርኦም ምፅንናዕን ተመኒዮም።