ኢትዮጵያ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ትካል ቱሪዝም ሕቡራት መንግስታት ትሳተፍ ኣላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ መበል 26 ሓፈሻዊ ጉባኤ ትካል ቱሪዝም ሕቡራት መንግስታት ትሳተፍ ኣላ፡፡
ኣብቲ ጉባኤ ብሚኒስትር ዲኤታ ቱሪዝም እንደገና ኣበበ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሳዑዲ ዓረብ ሙክታር ከድር (ዶ/ር)ን ተሳቲፎም፡፡
ካብ 28 ጥቅምቲ ክሳብ 2 ሕዳር 2018 ዓ.ም ኣብ ሪያድ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ካብ 160 ኣባል ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ሚኒስትራት፣ ላዕለዎት ሰብ መዚን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ኣብቲ መድረኽ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስን ዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን ዘላቒን ንኹሉ ዝሓቁፍ ዕቤት ምቅልጣፍ ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ንምዝታይ ዝዓለመ ኢዩ፡፡
ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዓለም ለኸ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘኽእል ጉባኤ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!