መዝገበ ቃላት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝሓዘ መፅሓፍ ተመሪቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መዝገበ ቃላት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ብቋንቋ ኣምሓርኛን ብኢንግሊዝኛን ዝሓዘ መፅሓፍ ሎሚ መዓልሪ ተመሪቑ፡፡
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር)፣ፕሬዚዳንትኣካዳሚ ሳይንስ ኢትዮጵያ በላይ ካሳ (ፕ/ር)፣ ምሁራንን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ እቲ መፅፍ በቢእዋኑ እናዓበየን እናተመሓየሸን ዝኸይድ ዘበን ተሳጋሪ ስራሕ ኢዩ።
ሳይንሳዊ ፍልጠት ብቋንቋ ውሽጢ ሃገር ብምትርጓም ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት እውን ኣብሪሆም።
ኣብ ቀዳማይ ሕታም ልዕሊ 11 ሺሕ ቃላት ሳይንስን ቴክኖሎጂ ስያመ ተመዓራረይቲ ቃላት ንመሃብ ፃዕሪ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።
ብሃይማኖት ወንድራድ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!