Fana: At a Speed of Life!

ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ኤቨርተን …

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 12 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ኤቨርተን ሎሚ ምሸት ክራኸባ ኢየን።

ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ሕድሕድ ካብ ዝገበረኦ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ፀወታታት፤ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣርባዕተ ግዘ እንትትስዕር፥ ኣብ ሓደ ፀወታ ማዕረ ተፈላሊየን።

ናይ ክልቲአን ጋንታታት ፀወታ ምሸት ሰዓት 5 ዝጅምር እንትኸውን፥ ኣብ ሜዳኣ ትፃወት ማንቼስተር ዩናይትድ ዝሐሸ ግምት ዓወት ተዋሂቡዋ።

እቲ ፕሪሚየር ሊግ ኣርሰናል ብ29 ነጥቢ እንትትመርሕ፥ ቼልሲ ብ23 ከምኡ እውን ማንቼስተር ሲቲ ብ22 ነጥቢ 2ይን 3ይን ደረጃ ሒዘን ይርከባ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.