Fana: At a Speed of Life!

ቲክቶክ ኣብ ኣሜሪካ ዘለዎ ዘፈር ቢዝነስ ንሰስተ ዓበይቲ ኢንቨስተራት ኣሜሪካ ንምሻጥ ተስዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃፀርቲ ቪዲዮታት ብምግዋሕ ዝፍለጥ መተግበሪ ቲክቶክ፤ ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዘንፀላለዎ ሓደጋ ምእጋድ ንምድሓን ኣብታ ሃገር ዘለዎ ዘፈር ቢዝነስ ንለስተ ዓበይቲ ኢንቨስተራት ኣሜሪካ ንምሻጥ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሐ ተሓቢሩ።

እቶም ዓደግቲ ድማ፤ ኦራክል፣ ሲልቨር ሌክን ኤምጂኤክስን ዝተብሃሉ ዓበይቲ ኩባንያታት ኣሜሪካ ኢዮም።

እቲ ስምምዕነታ ብብዙሓት ተፈታዊ ዝኾነ መተግበሪያ ቲክቶክ ኣብ ኣሜሪካ ብዘይ ምንም ገደብ ኣገልግሎት ምሃብ ንኽቕፅል ዘኽእሎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣሶሼትድ ፕሬስ ከምዝፀብፀቦ፤ እቲ ከይዲ መሸጣ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ዝቕፅል ወርሒ 22 ጥሪ ክዛዘም ኢዩ ዘብል ትፅቢተ ኣሎ።

እቲ ስምምዕነት ንኽግበር ቀንዲ ምኽንያት፤ መንግስቲ ኣሜሪካ “ቲክቶክ ካብ ቁፅፅር ኩባኒያ ከቻይና እንተዘይወፂኡ ብምኽንያት ብሄራዊ ድሕንነት ክእግድ ኢዩ” ዝብል ሕጊ ስለዘውፀአ ምዃኑ ይዝከር።

ነበር ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ዝፈረሙዎ እቲ ሕጊ (PAFACA Act)፤ እቲ መተግበሪ ናይ ኣሜሪካውያን ሓበሬታታት ንመንግስቲ ቻይና ኣሕሊፉ ክህብ ይኽእል ኢዩ ካብ ዝብል ስግኣት ዝተበገሰ ኢዩ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.