መድረኽ ዘተ ስለኢትዮጵያ ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መድረኽ ዘተ ስለኢትዮጵያ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከበላ ጎባ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ረእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ኣሻድሊ ሓሰን፣ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካ ጌታቸው ረዳን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።
ኣይተ ኣሻድሊ፥ እቲ መድረኽ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ከምዝኾነ መረጋገፂ ኣብ ዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምክያዱ ፍሉይ ይገብሮ ኢሎም።
ፍርያት ናይ ምልማዕ ድልየት ኢትዮጵያ ናብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ንክባፃሕ ዝተጀመሩ ፃዕሪታት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ሓቢሮም።
እቲ ክልል ካብ ባዕሉ ብተወሳኺ ንካልኦት ክኸውን ዘኽእል ዓቕሙ ምስ ሕብረተሰብ ንምዝማድ ይስራሕ ከምዘሎ አወን ገሊፆም።
ብኣሸናፊ ሽብሩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!