Fana: At a Speed of Life!

ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ሓሳብ ብተግባር ዝገለፀ ስምምዕነት

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሞንጎ መንግስቲን ህዝባዊ ትካል ኣምሓራ ፋኖን (ኣፋህድ) ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ናይ ምሃብ ኣጀንዳ ዘጠናኽር ኢዩ ኢሎም ምሁራን ፖለቲካ ሳይንስ፡፡

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዋቸሞ መምህርን ተመራማሪን ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ሙሉኣለም ሃይለማርያም ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ኣፍሪካ ዘጋጥሙ ፀገማት ንምፍታሕ ውሽጣዊ ዓቕሚ ምጥቃም ይግባእ።

ብፍላይ ጎንፂታትን ዘይምርግጋኣትን ንምፍታሕ ኣህጉራዊ ትካላት ግደኦም ንኽዋፅኡ ዘኽእል ምቹው ኩነታት ክፍጠር ይግባእ ኢሎም።

ንውሽጣዊ ፀገማት ውሽጣዊ መፍትሒ ብመሃብ ካብ ፅዕንቶ ናፃ ዝኾነ ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ትካል ብዘይምፍጣሩ ጎንፂታት ብርእሰ ዓቕሚ ከይፍትሑ ዝገብር ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ዓቕሚ ትካላት ብምጥንኻር ንመፍትሒ ንኽሰርሑ ምግባር ከምዝግባእ ኣብሪሆም፡፡

ድሕሪ ሒደት እዋናት ሕብረት ኣፍሪካ ንኣፍሪካውያን ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ናይ ምሃብ መምርሒ ናብ ተግባር ንምቕያር ብዙሓት ፃዕሪታት ብምግባር ዕዉታት ተግባራት እናወገነ ከምዝርከብ እውን ፀሪሖም፡፡

ንኣብነት ድማ እቲ ሕብረት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኲናት ብስምምዕነት ፕሪቶሪያ ክዛዘም ከምዝገበረን ኣብ ካልኦት ሃገራት ግደ ኣሸማጋላይነቱን እናተዋፀአ ምፅንሑ ኣዘኻኺሮም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ኣፋህድን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ናይ ምሃብ ልምዲ ዘጠናኽር ኢዩ ኢሎም፡፡

ተመራማሪ ሰላምን ድሕንነትን ተመስገን ቶማስ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ዝብል መምርሒ ንምጥንኻር ምስ በዓል መዚ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)ን ሕብረት ኣፍሪካን እናሰርሐት ከምትርከብ ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ሕብረት ኣፍሪካ ተጠናኺሩ ረብሓ ዜጋታ ንኽሕሉ፣ ኢድ ኣእታውነት ከይህሉን ኣብ ሞንጎ ሃገራት ምትእምማን ንኽዓስልን ኢትዮጵያ እጃማ እናተዋፀአ ትርከብ ኢሎም፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.