Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም መበል 130 ዓመት ክብረ በዓሉ ዘሰናደአን ናይ ኤሌክትሪክ መኪና ሽልማታት ንተዓወትቲ ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም መበል 130 ዓመት ክብረ በዓሉን ብምምልካት ዘሰናደአን ክልተ ዘበናዊ ናይ ኤሌክትሪክ መኪና ሽልማታት ተዓወትቲ ንዝኾኑ ዓማዊሉ ኣረኪቡ፡፡

እቲ ኩባንያ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሽልማት ተወሳኺ ሽዱሽተ ዘበናዊ መኻይን ዕፃ ሽልማት ናይ ምውፃእ ስነ ስርዓት ኣሳሊጡ፡፡

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሽልማት ቅድሚ ሕዚ ኣርባዕተ ናይ ኤሌክትሪክ መኻይን ከምኡ እውን 13 በዓል ሰለስተ እግሪ ተሽከርከርቲ (ባጃጅ) ንዕድለኛታት ንዓማዊሉ ከምዘረከበ ገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ 372 ዘበናዊ ስማርት ስልኪታትን ቴሌብር ኤሌክትሮኒክስ ገንዘብን ሓዊሱ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሽልማት ልዕሊ 127 ነጥቢ 8 ሚሊየን ብር ሓፈሻዊ ዋጋ ዘለዎም ሽልማታት ሂቡ።

እቲ ኩባንያ ኣብ ቀፃሊ እውን ዓማዊሉ ተሸለምቲ ዝገብር ቴሌ ፕለይ ዝተብሃለ መርሃ ግብሪ ሽልማት ከምዝቕፅል እውን ተገሊፁ።

ብሃይለማርያም ተገኝ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.