Fana: At a Speed of Life!

መመሓየሺ ኢኮኖሚ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ምቹው ስነ ምህዳር ኢንቨስትመንት ፈጢሩ – ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝገበረቶ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ምቹው ስነ ምህዳር ኢንቨስትመንት ፈጢሩ ኢሎም ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምምሕዳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)፡፡

ልዕሊ 35 ካብ ኩባንያታት ጃፓን ዝተውፃእፅኡ ልኡኻት ዝተሳተፉሉ ፎረም ቢዝነስ ኢትዮ-ጃፓን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

እቲ ፎረም ርክብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዕዙዝ ግደ ከምዝህልዎ ዝተለፀ እንትኸውን፥ እቶም ኩባንያታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ንኽሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ምትግባር መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ምፍራይ፣ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን፣ ሕርሻ፣ መዓድን፣ ኣገልግሎትን ካልኦትን ምቹው ዕድላት ኢንቨስትመንት ፈጢሩ ኢዩ ኢሎም።

መንግስቲ ተግባራዊ ብዝገበሮ ልዑል ሃገራዊ መመሓየሺ ቁጠባዊ ሃፍቲ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ምቹው ስነ ምህዳር ካብ ምፍጣር ሓለፉ ንኢትዮጵያ ቀዳመይቲ መብፅሒት ኢንቨስትመንት እናገበራ ከምዝመፅአ ኣብሪሆም።

ስምምዕነት ናፆባ ንግዲ ኣፍሪካ ሓዊሱ ካልኦት ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ስምምዓት ንግዲ ምትግባራ ፍሰት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ክሳለጥ ኣብ ምግባር ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ልዑል ምትእስሳር ዕዳጋ ከምዝፈጥር ኣብሪሆም።

ብመሳፍንት ብርሌ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.