መመሓየሺ ኢኮኖሚ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ምቹው ስነ ምህዳር ኢንቨስትመንት ፈጢሩ – ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝገበረቶ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ምቹው ስነ ምህዳር ኢንቨስትመንት ፈጢሩ ኢሎም ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምምሕዳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)፡፡
ልዕሊ 35 ካብ ኩባንያታት ጃፓን ዝተውፃእፅኡ ልኡኻት ዝተሳተፉሉ ፎረም ቢዝነስ ኢትዮ-ጃፓን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።
እቲ ፎረም ርክብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዕዙዝ ግደ ከምዝህልዎ ዝተለፀ እንትኸውን፥ እቶም ኩባንያታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ንኽሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ምትግባር መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ምፍራይ፣ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን፣ ሕርሻ፣ መዓድን፣ ኣገልግሎትን ካልኦትን ምቹው ዕድላት ኢንቨስትመንት ፈጢሩ ኢዩ ኢሎም።
መንግስቲ ተግባራዊ ብዝገበሮ ልዑል ሃገራዊ መመሓየሺ ቁጠባዊ ሃፍቲ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ምቹው ስነ ምህዳር ካብ ምፍጣር ሓለፉ ንኢትዮጵያ ቀዳመይቲ መብፅሒት ኢንቨስትመንት እናገበራ ከምዝመፅአ ኣብሪሆም።
ስምምዕነት ናፆባ ንግዲ ኣፍሪካ ሓዊሱ ካልኦት ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ስምምዓት ንግዲ ምትግባራ ፍሰት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ክሳለጥ ኣብ ምግባር ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ልዑል ምትእስሳር ዕዳጋ ከምዝፈጥር ኣብሪሆም።
ብመሳፍንት ብርሌ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!