በዓል ምስረታ ሓይሊ ኣየር ፅባቐ ኢትዮጵያ ብዘጉልህ መገዲ ክኽበር ኢዩ – ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 90 በዓል ምስረታ ሓይሊ ኣየር ፅባቐ ኢትዮጵያ ብዘጉልህ መገዲ ክኽበር ኢዩ ኢሎም ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ።
እቶም ዋና ኣዛዚ ምስ ላዕለዎት መኮንናት እቲ ትካል ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ እቲ በዓል ካብ 15 ክሳብ 19 ጥሪ 2018 ዓ.ም ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክኽበር ኢዩ ኢሎም።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣርማ ዘበናዊነትን ሉእላውነትን ብምዃን ዝፀንሐዙ 90 ዓመት በዓል ምስረትኡ ናይዛ ሃገር ከብሪን ናይቲ ትካል ግዙፍነትን በዝምጥን መገዲ ንምኽባር ምድላዋት ይዛዘሙ ከምዘሎዉ እውን ተዛሪቦም።
እቲ በዓል ሓይሊ ኣየርና ናይ ቴክኖሎጂ ጫፍን ናይ ጥንካረና መግለፂን ምዃኑ ብተግባር እነርእየሉ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኢዩ እውን ኢሎም።
ኣከባብርኡ ስቕ ኢሉ ተሓሲቡ ዘውዕል ጥራሕ ዘይኮነስ ናይቲ ትካል ዝለዓለ ብቕዓት ንዓለም ዘርእይ ናይ ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ስግግር ዝፈጥር ከምኡ’ውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ሓይሊ ኣየር ዘለዎ ምትእምማን ንክጎልህ ዝገብር ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ሉእላውነት ኢትዮጵያ ንምትንካፍ ንዝሓስቡ ሓይሊታት ናይቲ ትካል ምድላውን ቁመናን ንምርኣይ ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።