በዓል መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ንምርግጋፅ ፌደራል ስርዓት ዕዙዝ ግደ ኣለዎ – ኣፈጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር በዓል መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ንምርግጋፅ ፌደራል ስርዓት ዕዙዝ ግደ እናተፃወተ ይርከብ ኢሎም።
ኣብ ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ዝተኸበረ መበል 20 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ብዓወት ንኽዛዘም ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ገምጋም ኣፈፃፅማን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ኣፈጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ እቲ በዓል ኣብ ሞንጎ ብሄር ብሄረሰባት ሕድሕዳዊ ምፍላጥ ንኽጉልብትን ልዐል ኣስተዋፅኦ ዘበርክት ኢዩ።
ብፍላይ ኣብ ለውጢ ዓመታት ሓቀኛ ስርዓት ፌደራሊዝም መሰረት ብምግባር ክኽበር ምግባሩ ንምርግጋፅ ስርዓት ፌደራል ልዑል ግደ እናተፃወተ ይርከብ ኢሎም፡፡
መበል 20 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ዝተኸበረሉ ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራዊ ለውጢ ዕድል ርእሰ ምምሕዳር ዝረኸበ ክልል ከምዝኾነ ብምሕባር፥ እዚ ድማ መርአያ ስርዓት ፌደራል ከምዝኾነ ኣልዒሎም።
ብሰለሞን በየነ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!