መፃኢ ምዕባለ ተሓሳቢ ብምግባር ኢትዮጵያ ዓውዲ ፋይናንስ ተዘምን ኣላ-ምክትል ቀደማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መፃኢ ምዕባለ ተሓሳቢ ብምግባር ኢትዮጵያ ዓውዲ ፋይናንስ ተዘምን ኣላ ኢሎም ምክትል ቀደማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ፥ “ብራኸ ፋይናንስ ኣብ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣፈፃፅማ ዓበይቲ ትካላት ዝግምግምን ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓማውቲ ዝህልዎም ስትራቴጂካዊ ቅድመ ምልከታ ዝገብራሉን ኮንፈረንስ ተሳሊጡ።
ነቲ ኮንፈረንስ ጠመተ ብምግባር እቶም ምክትል ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሪፎርም ኢትዮጵያ ዕዉት እናኾነሎም ካብ መንጎ ዝመፅአ ዓውዲታት ፋይናንስ ሓደ ኢዩ ኢሎም።
ነባር ስብራታት ብምፅጋን፣ እዋናዊ ብድሆታት ብምፅዋርን መፃኢ ምዕባለ ኢትዮጵያ ተሓሳቢ ብምግባርን ኢትዮጵያ ዓውዲ ፋይናንሳ ተዘመን ከምዘላ ገሊፆም።
ምምሕዳር ፋይናንስ ብምዝማን፣ ተበፃሕነት ፋይናንስ ብምስፋሕ፣ ሃፍቲ ብእኹል ኩነታት ብምእካብን ሓደሽቲ ሃገራዊ ሃፍቲታት ብምፍጣርን ኢትዮጵያ ጉዕዞ ምዕባለኣ ተሳልጥ ኣላ በምባል ኣረጋጊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!