ሚድሮክ ኣብ ፕሮክታት መኣዲ ንሃገር ኣሰሩ የንብር ኣሎ-ኣይተ ጀማል ኣሕመድ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚድሮክ ኣብ ፕሮክታት መኣዲ ንሃገር ኣሰሩ የንብር ኣሎ ኢሎም ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ሚዲሮክ ኢትዮጵያ ኣይተ ጀማል ኣሕመድ።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዞባ ቤንቺ ሸኮ ዝርከብ ደንቢ ኢኮ ሎጅ ብዕሊ መሪቖም።
ኣይተ ጀማል ኣሕመድ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅኡ ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ እወንታዊ ለውጥታት ዘምፅኡ ብዙሓት ፖሊሲታት ተግባራዊ ከምዝተገበሩ ተዛሪቦም።
ካብ መንጎ እቶም ለውጢታት መመሓየሺ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ሓደ ኢዩ ብምባል፥ እቲ መመሓየሺ ተረሲዖም ዝነበሩ ከም ዕደናን ቱሪዝምን ዝበሉ ዓውዲታት ዓንዲ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንክኾኑ መግባሮም ገሊፆም።
ዓቕሚ ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ንክጠናኸር ተግባራዊ ዝተገበሩ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ሌማት ትሩፋትን ፕሮጀክትታት መኣዲ ንሃገርን ዝነኣድ ውፅኢት የምፅኡ ከምዘለዉ እውን ተዛሪቦም።
ካብ መኣዲ ንትውልዲ ፕሮጀክትታት ሓደ ዝኾነ ደንቢ ኢኮ ሎጅ ንምህናፅ ሚድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር እቲ ህንፀት ንክፍፀም ልኡኽ ተዋሂቡዎ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
ኩባኒያኦም ዝተውሃቦልኡኽ ብብቕዓት ብምውፃእ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝተቐመጠሉ እዋን ምዝዛሙ ገሊፆም።
ብሚኪያስ ኣየለ