ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ 9 ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ እውን ቀፂሉ እንትካየድ ትሽዓተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።
ሰዓት 5 ኢሎምፒክ ማርሴ ምስ ሊቨርፑል፣ ስላቪያ ፕራግ ምስ ባርሴሎና፣ ባየር ሙኒክ ምስ ሮያል ዩኒየን ከምኡ እውን ቼልሲ ምስ ፓፎስ ክፃወታ ኢየን።
ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣታላንታ ምስ ኣትሌቲክ ቢልባኦ፣ ጁቬንቱስ ምስ ቤኔፊካ ከምኡ እውን ኒውካስል ምስ ፒኤስቪ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን።
ጣሊያናዊት ጋንታ ጁቬንቱስ ካብ ቀጠና ምውራድ ንምርሓቕ ጥንኩር ንሕንሕ ክትገብር ኢያ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ካብዚ ብተወሳኺ ቅድም ክብል ምሸት ሰዓት 2፡45 ጋላታሳራይ ምስ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ከምኡ እውን ካራበርግ ምስ ፍራንክፈርት ክነሓነሓ ኢየን።
ትማሊ ኣብ ዝተገበሩ ፀወታታት ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ኣርሰናል ንኢንተር ሚላን 3 ን 1፣ ሪያል ማድሪድ ንሞናኮ 6 ን 1፣ ስፖርቲንግ ሊዝበን ንፒኤስጂ 2 ን 1፣ ቶተንሃም ሆትስፐር ንቦሩሺያ ዶርትመንድን 2 ን 0፣ ከምኡ እውን ኦሎምፒያኮስ ንባየር ሊቨርኩሰን 2 ን 0 ስዒረን።
ኣያክስ ኣምስተርዳም ካብ ሜዳኣ ወፃእ ንቪያሪያል 2 ን 1፣ ቦዶ ግሊምት ንማንቼስተር ሲቲ 3 ን 1፣ ክለብ ብሩጅ ንካይራት ኣልማቲ 4 ን 1 እንትስዕራ፤ ኮፐንሃገንን ናፖሊ 1 ን 1 ብዝኾነ ማዕረ ውፅኢት ከምዝተፈላለያ ይፍለጥ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!