ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ብሪታኒያ ኢቬት ኩፐር ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፣ ጉዳያት ሓበራዊ ምዕባለን ልምዓትን ብሪታኒያ ኢቬት ኩፐር ተዛቲዮም፡፡
ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ምሰተን ሚኒስትር ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ጥንኩር ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምዕባይ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዘቲዮም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዞባዊ ሰላምን ፀፅታን ጉዳያት ከምዝዘተዩ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!