ቶተንሃም ሆትስፐር ምስ ማንቼስተር ሲቲ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 24 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ሲቲ ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ቶተንሃም ሆትስፐር እትገብሮ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ምሸት ሰዓት 1፡30 ኣብ ዝግበር ፀወታ፤ ማንቼስተር ሲቲ ምስ መሪሕ እቲ ሊግ ኣርሰናል ዘለዋ ኣፈላላይ ነጥቢ ንምፅባብ ናብ ሜዳ ክትኣቱ ኢያ፡፡
ካብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ፀወታታት እቲ ሊግ ዋላ ሓደ ክትዕወት ዘይከኣለት ቶተንሃም ሆትስፐር ናብ ዓወት ንምምላስ ትገብሮ ንሕንሕ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ካብዚ ፀወታ ኣቐዲሙ ኣጋግዘ ሰዓት 11 ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ ኦልድትራፎርድ ንፉልሃም ክተተኣናግድ ኢያ፡፡
ኣስቶንቪላ ምስ ብሬንትፎርድ ከምኡ እውን ኖቲንግሃም ፎረስት ምስ ክሪስታል ፓላስ ብተመሳሳሊ ኣጋምሸት ሰዓት 11 ዝግበሩ ፀወታታት እቲ ዕለት ኢዮም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!