ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ቄጦ ተፈጥሮን መልክዓ ምድሪን እቲ ከባቢ ብግቡእ ንምጥቃም ዝተተግበረ ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፕሮጀክት መሰረተ ልምዓት መስኖ ቄጦ ተፍሮን መልክዓ ምድሪን እቲ ከባቢ ብግቡእ ንምጥቃም ተሓሲቡ ዝተተግበረ ኢዩ ኢሎም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ንወረዳታት ሰዲ ጫንቃን ሃዋ ገላንን ትርጉም ዘለዎ ለውጢ እናምፀአ ዝርከብ ፕሮጀክት መሰረተ ልምዓት መስኖ ቄጦ ንምዕዛብ ዕድል ረኺበ ኢሎም።
እቲ ፕሮጀክት ንስራሕቲ ሕርሻ ዘይቋረፅ ቀረብ ሃፍቲ ማይ ብዘረጋግፅ መልክዑ ተፈጥሮኣዊ መልክኣ-ምድር እቲ ከባቢ ብግቡእ ንምጥቃም ተሓሲቡ ዝተተግበረ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።
እቲ ስራሕቲ መስኖ ብቐጥታ ኣብ ረብሓ ብምውዓል ዝተሓረሰን ዝለምዐን መሬት ንሕብረተሰብ ዕዙዝ ረብሓ ከምፅእ ምጅማሩ እውን ዝበረታታዕ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶምም።
ምስኡ ዝተሰርሑ መሰረተ ልምዓት መገዲ ተበፃሕነት ዕዳጋ ከምዘስፈሐን፣ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ነበርቲ እውን ከምዘቕለለን ተዛሪቦም።
እቲ ከባቢ ሰፊሕ ሕርሻን ዓሚቕን ዓቕሚን ዘለዎ ስለዝኾነ ከም ስርናይ፣ ባናና፣ ሩዝ፣ ፓፓያን ኣራንሺን ዝበሉ ፍርያታት ኣብ ምድጋፍ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት መስኖን ዘላቒ ልምዓት ሕርሻ ገፀርን ከዕብዩ ከምዝኽእሉ ኣብነት ኢዩ ክብሉ እውም ኣብሪሆም።