ከባቢታት ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ዓውዲ መዓድን ልዑል ኢንቨስትመንት ናይ ምስሓብ ዓቕሚ ኣለዎም – ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከባቢታት ምዕራብ ኦሮሚያ ብሃፍቲ ተፈጥሮ መዓድን ዝተዓደሉ ስለዝኾኑ ኣብቲ ዓውዲ ልዑል ኢንቨስትመንት ናይ ምስሓብ ዓቕሚ ኣለዎም ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፡፡
ፋብሪካ መሕፀቢ እምኒ ፈሓም ኣርጆ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተመሪቑ።
ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ከምዝበሉዎ÷ ናይ ለውጢ መንግስቲ ኣብ ዝሓፉ ዓመታት ጥንኩር ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ወሲዱ።
ኣብቲ ለውጢ ትኹረት ካብ ሞንጎ ዝተውሃቦም ዘፈራት ሓደ ዘፈር መዓድን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ቅድሚ ሕዚ ነቲ ዓውዲ ብዝተውሃበ ትሑት ትኹረት ከም ሃገር ይኹን ክልል ተረባሕነት እቲ ዓውዲ ትሑት ከምዝነበረ ኣልዒሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ ዓውዲ ኢኒሼቲቭ ብምሕንፃፅ ዘፈር ውልቀ ኣብ ልምዓት እቲ ዓውዲ ብስፍሓት ክሳተፍ ብዙሕ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።
በዚ ድማ ብፍላይ ምስ መዓድን ወርቂ ዝተተሓሓዘ ኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኢንዱስትሪታት ተዋፊሮም ናብ ስራ ክኣትዉ ተገይሩ ኢሎም።
እቲ ክልል ዓሚቕ ዓቕሚ መዓድን ብግቡእ ብምምራሕ ልዑል ውፅኢት ምምፃእ ከምዝከኣል ብምግላፅ፤ ብፍላይ ከባቢታት ምዕራብ ኦሮሚያ ብሃፍቲ ተፈጥሮ መዓድን ዝተዓደሉ ስለዝኾኑ ኣብቲ ዓውዲ ልዑል ኢንቨስትመንት ናይ ምስሓብ ዓቕሚ ኣለዎም ኢሎም።
ብኣቤል ነዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!