ስራሕቲ ሕርሻዊ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ክልል ኦሮምያ ንዕብየት ሕርሻና ዘሳልጡ እዮም – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዓውዲ ኣግሮ ኢንዳስትሪ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ዕብየት ሕርሻና ዘሳልጡ እዮም ኢሎም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ሎሚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተዋደደ ፓርክ ሕርሻ ኢንዳስትሪ ነቀምቴ ዑደት ገይርና ኢሎም፡፡
እቲ ፓርክ ብኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኦሮሚያ ኣብ 250 ሄክታር መሬት ዝህነፅ ምህላዉ፣ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ሓረስቶት ዓብዪ ዕድል ዕዳጋ ፈጢሩ ኢሎም፡፡
ዝተዋደደ ፓርክ ሕርሻ ኢንዱስትሪ ነቀምቴ ፍርያት ሓረስቶት ተቐቢሉ ብምቅንብባር ናብ ዕዳጋታት ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ከምዘቕርብ ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!