Fana: At a Speed of Life!

እዚ ፍሉይ ወፍሪታት ሓዱሽ መለለዪ ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)እዚ ፍሉይ ወፍሪታት ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ዝተረኸቡሉ ሓዱሽ መለለዪ ዕላዊ ገይሩ፡፡

መበል 65 ዓመት ምስረታ በዓል እቲ እዚ ብዝተፈላለዩ ስነ ስርዓታት ይኽበር ኣሎ፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ካብ ናይ እዚ ፍሉይ ወፍሪታት ካብ ቀይሕ ቦኔት መለለዪኡ ንተወሳኺ ኣብ ቅልፅም ዝጥቀሞ ሓዱሽ መለለዪ እውን ዕላዊ ተገይሩ።

ኣዛዚ እዚ ፍሉይ ወፍሪታት ሌተናል ጄኔራል ሹማ ኣብደታ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ እቲ ሓዱሽ መለለዪ ሓራዊ ዕላማን ጥንካረ መንፈስን እቲ እዚ ዘርኢ ኢዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ውቅዒት ልቢን ድልዉነትን እቲ እዚ ዘንፀባርቕ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ማህደር ታሪኽ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንወፍሪ እቲ እዚ መለዓዓሊ ኮይኑ ዘገልግል ኢዩ ኢሎም፡፡

ብኻእ መዳይ ናይ ዓወት ጉዞ ዓመታት እቲ እዚ ዝትርክ መርሃ ግብሪ ምረቓ መፅሓፍ ተኻይዱ።

በዓል ምስረታ እቲ እዚ ንዝቕፅሉ ሰለስተ መዓልቲታት ብዝተፈላለዩ ስነ ስርዓታት ዝቕፅል እንትኸውን፥ ቅድሚ ሕዚ ምስረታ እቲ እዚ ምኽንያት ብምግባር ናይ 10 ኪሎ ሜትሮ ውድድር ጉያ ጎደና ምክያዱ ይዝከር፡፡

ብመራኦል ከድር

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.