ቦርድ መረፃ ናይ ሕሶት ሓበሬታታት ንምክልኻል ዘኽእል ብሄራዊ ስምምዕነት ምትሕብባር ዕላዊ ገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ናይ ሕሶትን መደናገሪን መረፃ ተንከፍ ሓበሬታታት ንምክልኻል ዘኽእል ብሄራዊ ስምምዕነት ምትሕብባር ዕላዊ ገይሩ፡፡
እቲ ብሄራዊ ስምምዕነት ምትሕብባር ዕላዊ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ኣካቢት እቲ ቦርድ ሜላትወርቅ ሃይሉ÷ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ግልፂ፣ ተኣማኒን ዴሞክራሲያዊን ንኽኸውን ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን።
ሀኣብ እዋን መረፃ ናይ ሕሶት ሓበሬታታት ፅዕንቶ ከብፅሑ ከምዝኽእሉ ብምሕባር÷ እቲ ብሄራዊ ስምምዕነት ምትሕብባር ነዚ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ከምዝሕግዝ ኣብሪሀን፡፡
ዕላማ እቲ ስምምዕነት ኣብ ከይዲ መረፃ ክጋውሑ ዝኽእሉ ናይ ሕሶት ሓበሬታታት ንምፅራይን ቅልጡፍ ምላሽ ንመሃብን ከምዝኾነ ሓረቢረን፡፡
መረፅቲ ኣብ እዋን መረፃን ኣብቲ መረፃ ብፅሒት ዘለዎም ትካላትን ውልቀሰባትን ኣብ ዝተዛበዐ ሓበሬታ ካብ ዝተመርኮሰ ኣወሃህባ ውሳነ ንኽሕለዉ ንምግባር ከምኡ እውን እቲ መረፃ ናፃን ተኣማኒ ከምዝኾነ ንምርግጋፅ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!