ኣገልግሎት ሎጂስቲክስ ዲጂታላይዝ ንምግባር ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣወሃህባ ኣገልግሎት ሎጂስቲክስ ዲጂታላይዝ ንምግባር ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ (ኢባትሎ)፡፡
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢባትሎ ኣብዱልበር ሸምሱ (ኢ/ር) ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ንኢትዮጵያ ምስ ዕዳጋ ዓለም ብምትእስሳር ኣታዊን ወፃኢን ንግዲ ንምቅልጣፍ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡
ኣብዚ ዓመት ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ልዕሊ 40 ሚኢታዊ ኣቑሑት ብኢባትሎ ከምዝተዓዓዙ ብምሕባር÷ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ንምዝማንን ዲጂታላይዝ ንምግባርን ትኹረት ከምዝተገበረ ተዛሪቦም፡፡
እዚ ድማ ዓማዊል ኣብ ዘለዉዎ ኮይኖም ዋጋ ንምዝርራብ ከምኡ እውን ዝተፀዓኑ ኣቑሑት ካብ መበገሲኡ ጀሚሩ ክሳብ ዝዓርፉሉ ከይዲ ንምክትታል የኽእል ኢሎም፡፡
ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ዝግበር እዚ ስርዓት ግልፂ፣ ተኣማኒ፣ ቅልጡፍ፣ ተመጣጣኒን ተወዳዳሪን ዋጋ ዘለዎ ኣገልግሎት ንመሃብ ከምዝሕግዝ ኣመልኪቶም፡፡
ኣብ ቀፃሊ ኢባትሎ ተወዳዳራይነቱ ንምጥንኻር ብምውዳድ ክስራሕ ኢዩ ዝበሉ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ÷ እቲ ትልሚ ንምዕዋት ድማ ዘለወኦ ቁፅሪ መራኽብ ምዕባይ ከምዝግባእ ኣብሪሆም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!