ኢትዮጵያ ጥንኩር ዕቤት ኢኮኖሚ ተመዝግብ ኣላ – ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ጥንኩርን ፅሬት ዘለዎን ዕቤት ኢኮኖሚ ተመዝግብ ኣላ ኢለን ኣባል ቤት ምኽሪ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፡፡
ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልቲታት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያት እናተኻየደ ዝቐነየ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፓርቲ ብልፅግና ሎሚ መዓልቲ ተዛዚሙ።
ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ ኣመልኪተን ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ ከምዝበለኦ፥ ዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ በቢዓመቱ ምምሕያሽ ብምርኣይ ናብ ክልተ ኣሃዝ እናተሃንደደ ይርከብ፡፡
ኣብ መመሓየሺ ሃገር በቆል ማክሮ ኢኮኖሚን ብዝሃ ዓውዲ ኢኮኖሚን ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ብምሕባር፥ በዚ ድማ ኢትዮጵያ ጥንኩርን ፅሬት ዘለዎን ዕቤት ኢኮኖሚ እናመዝገበት ትርከብ ኢለን፡፡
ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ብፍላይ ድማ ኣብ መርሃ ግብሪ ትሩፋት ሌማት ኩነታት ናብራን ኣመጋግባን ዜጋታት ካብ ምምሕያሽ ሓሊፉ ንብዙሓት ዕድል ስራሕ ከምዝተጠረ ኣብሪሀን፡፡
ዓውዲ መዓድን ዓምዲ ኢኮኖሚና ኮይኑ ኢዩ ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ ሃፍቲ መዓድንና ብግቡእ ብምፍላይ ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ብዝጠቅም መልክዑ እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን፡፡
ኣብ ቱሪዝም ብዝተሰርሐ ስራሕ ንኢትዮጵያ ማእኸል ኮንፈረንስ ምግባር ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ፥ ኣብ ዓመት ልዕሊ 150 ዓለም ለኸ ፍፃመታት ብምትእንጋድ ኢትዮጵያ ክትሰርሕ ከምትኽእል ኣርኢያ ኢያ ኢለን፡፡
ኣብ ዓውዲታት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ልምዓት ከተማ፣ ጥዕናን ትምህርቲን ከምኡ እውን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣገንዚበን፡፡
ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፁን ክብሪ ሃገርን ክብ ዘብሉ ፕሮጀክታት ተግባራዊ ከምዝተገበሩ እውን ገሊፀን፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ