Fana: At a Speed of Life!

ኤሊት ፎርስ እንሃንፅ ኩናትን ግብረሽበራን ከይፍጠር፣ እንተ ኣጋጢሙ ኣብ ሓፂር ግዜ ንምውዳእ እዩ -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኤሊት ፎርስ እንሃንፅ ኣብቲ ዞባ ኩናትን ግብረሽበራን ከይፍጠር፣ እንተድኣ ኣጋጢሙ ድማ ኣብ ሓፂር እዋን ንምውዳእ እዩ ኢሎም ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊታት ጦር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
መበል 65 ዓመት ምስረታ እዚ ፍሉይ ወፍሪታት ሰራዊት ምክልኻል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ተኸቢሩ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ፍሉይ ወፍሪ ቀያሕቲ ቦኔት ዝተከደኑ ውግእ ዝውድኡን ውግእ ዘብቅዑን እዮም ኢሎም።
ተልእኾና ናብ መፃኢ ወለዶታት ዝሰጋገር ራኢ ዘለዎ ትካል ምፍጣር እዩ፤ ውግእ ዘትርፍን ውግእ ዘብቅዕን ኤሊት ፎርስ ምህናፅ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣባላት እዚ ፍሉይ ወፍሪታት ልእኽቶ ድማ ኢትዮጵያ ምህናፅ፣ ምሕላው፣ ምፅናዕን ምቕያርን እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ብረሃፅ ደቃ እያ ትሰርሕ፣ ብዓፅሚን ደምን ደቃ ትፀንዕ ፣ ኣይተጋህሰትን፣ ኣይትግሃስን፣ ብኽብርን ናፅነትን ንደቅና እነርክባ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ክትቅፅል እያ ኢሎም።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.