Fana: At a Speed of Life!

ካብ ሓበራዊ ክፍፍል ኣታዊ 71 ነጥቢ 33 ቢሊየን ብር ንክልላት ተመሓላሊፉ – ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2018 ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ካብ ክፍፍል ሓበራዊ ኣታዊታት 71 ነጥቢ 33 ቢሊየን ብር ንክልላት ተመሓላሊፉ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፡፡

ብሚኒስቴር እቶትን ሚኒስቴር መዓድንን እናተተግበረ ዝርከብ ሓበራዊ ኣኼባ እቶት፣ ምምሕዳርን ምምሕልላፍን ዋና ኦዲተር ፌዴራል ብዝገበሮ ውፅት ፀብፃብ ኦዲት ፋይናንስ ሪፖርት መድረኽ ዘተ መዳርግቲ ኣካላት ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣይተ ኣገኘሁ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ እቶም ሓበራዊ ኣታዊታት መመሓየሺ ሒሳብ ክፍፍል ስዒቡ ክፍፍል ብፅሒት ክልላት ካብ 4 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ናብ 91 ነጥቢ 73 ቢሊየን ብር ክብ ኢሉ፡፡

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ብዘካየዶ ትካላዊ ሪፎርም መመሓየሺ ስልሒት ሓበራዊ እቶት ስለዝተገበረ ብፅሒት ሓበራዊ እቶት ክልላት ብዝለዓለ ኩነታት እናወሰኸ ከምዝመፅአ ገሊፆም፡፡

ድሕሪ እቲ መመሓየሺ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ንኽልላት 91 ነጥቢ 73 ቢሊየን ብር ካብ ሓበራዊ እቶታት ከምዝተመሓላለፈ ኣዘኻኺሮም፡፡

ኣብዚ በጀት ዓመት ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ድማ 71 ነጥቢ 33 ቢሊየን ብር ንክልላት ተመሓላሊፉ ኢሎም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌደራልን ክልላትን ከምዝተረኸቡ ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝቢን ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ተረፈ በዳዳ ንፋና ዲጂታል ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.