ዝኽሪ በዓል ዓወት ዓድዋ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክኽበር እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 130 ዝኽሪ በዓል ዓወት ዓድዋ “ካብ ዘኹርዕ ታሪክ ናብ ድሙቕ ኣድማስ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክኽበር እዩ።
ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ብዛዕባ ኣከባብራ እቲ በዓል ኣመልኪተን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ዳግማይ ዓድዋ ዝገልፁ ብዙሓት ዓወታት ዝተመዝገበሉ ዓመት ምርካብና መበል 130 ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ፍሉይ ይገብሮ ኢሎም፡፡
እቲ በዓል ንተኸታተልቲ ሓሙሽተ መዓልታት ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝኽበር ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፣ ዓድዋ ካብ ኢትዮጵያውያን ሓሊፉ ንኹሎም ፀለምቲ ህዝብታት ዓወት ብምዃኑ ዝገልፁ ምድላዋት ከምዝነብሩ ተዛሪቦም፡፡
ብኣሸናፊ ሽብሩ