ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ኩለመዳይ ስራሕቲ ትትግብር ኣላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ኩለመዳይ ስራሕቲ ትትግብር ኣላ ኢሉ ሚኒስቴር ሕርሻ፡፡
ትካል ምግቢ ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ዘሰናደኦ ሕርሻን ልምዓት ደኒን ብምውዳድ መፍረያይነትን ኣብ ምዕባይ ትኹረት ዝገበረ መድረኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ፡፡
ኣብ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣማኻሪ ሚኒስትር ዴዔታ ዘፈር ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ምትኩ ኣያሌው (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ኩለመዳይ ስራሕቲ እናተግበረት ትርከብ፡፡
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓዊሱ ልሙዕነት ሓመድ ዘረጋግፁ ተግበራት ብምሕንፃፅ ነቲ ዓውዲ ትኹረት ሂባ እናሰርሐት ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ እቲ ከይዲ ንካልኦት ሃገራት እውን ኣብነት ዝኸውን ኢዩ ኢሎም።
ተወካሊ ፋኦ ኣብ ኢትዮጵያ ኦርላንዶ ሶሳ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ኣብ ኣተገባብራ ልምዓት ደኒን ደዲ ማእኸል ዝገበረ ሕርሻን እናወገነቶ ትርከብ ፃዕሪ ንኢዶም፡፡
ብወንድሙ ኣዱኛ