Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣዘርባጃን ኣትዩም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ቀዳመይቲ እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ብምዃን ናብ ኣዘርባጃን ኣትዮም።
ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ርክብ ኢትዮጵያን ኣዘርባጃንን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እናተጠናኸረ ይመፅእ ኣሎ።
ናይዚ መርኣዪ ድማ ብጠንኻራ ምትሕብባር ዝቐፀለ ድልዱል ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምዃኑ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብሪሆም፡፡
ነዚ ልዑል ቅርበት ክልቲኤን ሃገራት ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ሪፓብሊክ ኣዘርባጃን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ዑደት ምጅማሮም ኣረዲኦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ቀዳመይቲ እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ላዕለዎት ጉጅለ ልኡኽን ሎሚ ንጉሆ ናብ ዓለም ለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ባኩ ሄዳር ኣሊዬቭ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ዑደት ክልተኣዊ ዝምድና ናብ ዝለዓለን ትርጉም ዘለዎን ደረጃ ከብፅሕ ትፅቢት ከምዝግበር ተገሊፁ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.