Fana: At a Speed of Life!

ምስ ኣዘርባጃን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ዝተገበሩ ምትሕብባር ምሕዝነትና እናዕበየ መፂኡ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ምስ ኣዘርባጃን ዘለና ምሕዝነት ብምትሕብባር እናዓበየ መፂኡ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓበሬታ፤ ፕሬዚዳንት ኢልሃም ኣሊየቭ ኣብ ኣዘርባጃን ኣብ ዝገበርዎ ፈላማይ ዕላዊ ዑደት ምዉቕን ኣኽብሮታውን ኣቀባብላ ልባዊ ምስጋናይ ክገልጽ እፈቱ ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን፣ ፓርክታት ኢንዱስትሪን ናፃ ዞባታት ንግድን ከምኡ ውን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስን ኣዘርባጃን መዘንኦም ዘሎ ኢኮኖሚ ምትሕብባር መሰረት ብምግባር ምሕዝነትና በቢግዚኡ እናዓበየ ከምዝመፀ ገሊፆም።
እዞም ዓውዲታት ምትሕብባር ክልተኣዊ ዝምድናታትና ንምጥንኻር መሰረት ዘንበሩ ምዃኖም ሓቢሮም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.