ውግእ ብርሑቑ ዘትርፍን ኣብ ሓፂር እዋን ተዋጊኡ ረብሓ ሃገሩ ዘኽብርን ሰራዊት ተሃኒፁ – ሌ/ጄ ሹማ ኣብደታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፀላእታ እናምበርከኸት ብኽብሪ ዝነበረት ኢትዮጵያ ሎሚ እውን ብደቃ ተኸቢራ ክትነብር ኢያ ኢሎም ኣዛዚ እዚ ወፍሪታት ሌተናል ጄኔራል ሹማ ኣብደታ፡፡
ሌ/ጄ ሹማ ኣብደታ ኣብ ቀጠና ወፍሪ ተዘዋዊሮም ምስቲ ሰራዊት ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ ኣብ ሓፈሻዊ ሃገራዊን ዞባዊን ኩነታት መብርሂ ሂቦም፡፡
ኣብ መብርሂኦም ድማ ፀላእትና ዕቤት ኢትዮጵያ ብሽርሒ ንምድኻም ይፈትኑ እምበር ኢትዮጵያን ህዝባን ብራኸኦም ምርግጋፆም ዘይተርፍ ጉዳይ ስለዝኾነ ጠላእቲ ተስፋ ክቖርፁ ይግባእ ኢሎም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ውግእ ብርሑቑ ዘትርፍ እንተዘይኮይኑ ድማ ኣብ ሓፂር እዋን ተዋጊኡ ረብሓ ሃገሩ ዘኽብርን ሰራዊት ከምዝሃነፀ ኣብሪሆም።
ኢትዮጵያ ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ብምጥቃም ናብራ ህዝባ ከይትልውጥ ፅንፈኛ፣ ሸኔን ካልኦት ጉጅለታትን ምስ ታሪኻዊ ፀላእታ ሓሮም ይስርሑ እምበር ሕልሞም ብሰራዊት ምክልኻል ከም ደበና ከምዝተበተነ ገሊፆም።
እዚ ፍሉይ ወፍሪታት ዝኾነ ይኹን ዓይነት ወፍሪ ኣብ ዝኾነ ቦታን እዋንን ናይ ምፍፃም ዓቕሙ ካብ እዋን ናብ እዋን እናዕበየ ከምዝመፅአ ኣመልኪቶም፡፡
እዚ ብድሉውነት ይኹን ኣብ ውግእ ዓቕሙ ጥንኩር ከምዝኾነ ዘመላኽት ኢዩ ምባሎም ኦንላይን ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ንፋና ዲጂታል ገሊፁ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!