ንኹሉ ዝሓቁፍ ፖለቲካዊ ለውጢ ንፅኑዕ ሃገራዊ መሰረት
መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ሃገርና ካብ ዝነበረትሉ ሱር ዝሰደደ ፖለቲካዊ ቅልውላው ናብ ሙሉእ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምስግጋር ስልታዊ ፅንዓትን ዓወትን ተግባራዊ ገይሩ እዩ።
ቀንዲ ዓወት ናይዚ ታሪኻዊ ምስግጋር ንዘመናት ኢትዮጵያ ዘሳቕያ ዝነበረ “ማእከላይን ወሰንን” ዝብል ኣግላሊ ፖለቲካዊ ትረኻ ብምስባር ነፍሲ ወከፍ ዜጋን ኩሉ ዞባን ማዕረ ተበፃሕነት ስልጣንን ሃብትን ዘስተማቕረሉ ሃገራዊ ሓድነት ምህናፅ እዩ።
እዚ ዘላቒ ሰላም ንሃገራዊ ህልውና ንምርግጋፅ ኣብ ማእኸል ወለዶ ድልድል ዝኸውን ህንፀት ትርክት ዝተመዝገቡ ዓወታት መንግስቲ እቲ ለውጢ ዝኾኑ ሃገርና ንዘመናት ኣብ ውሽጢ ዝፀንሑ ያታታት ንክሰምዑ ምግባር፣ ናይ ኩላትና ታሪክን ዓሻራን ዝዝክሩ ዓውዲታት ብተግባር ክጉልብቱ ተገይሩ፡፡
እዚ ኣብ ውሽጣዊ ምርግጋእን ሃገራዊ ምርድዳእን ዝተመስረተ ሱር በተኻዊ ፖለቲካዊ ለውጢ፡ ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ናይ ህላወ ስግኣታት ክትሰግሮ ኣኽኢልዋ እዩ።
በዙይ እውን ኣብ ታሪክን መግለፂ መንነትን ዝኾነ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ፣ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ፣ ከምኡ እውን ኣብ ገበታ ንሸገርን ንዎለዶን ዝተሃነፁ ገዘፍቲ መዳረግቲ ቱሪዝምን፣ ሓባራዊ ሃገራዊ ሓበንና ኹርዓትን ኣዕብዮም ኣለው።
ብዙሕነት ከም ፅባቐ ብምቕባል ብብሄራዊ መድረኽ ዝቕፅል ጉዕዞ ሕሉፍ ምሕዋይ ትማሊ ብጥርጣረን ምፍልላይን ተበታቲኑ ዝፀንሐ ሃገራዊ ያታታት ብተግባር ዝተረጋገፀ ‘ሕውነትን ሓባራዊ ብልፅግናን’ እናመርሐ ዝርከብ፡፡
ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ዝኾና ትካላት ናይ ህንፀትን ምውዳብን ስራሕ ብፍሉይ ቆራፅነት ተሰሪሑ እዩ። ብፍላይ ድማ ፀጥታ፣ ፍትሒ፣ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ኣብ ትሕቲ ህዝብን ሕግን ጥራሕ ከም ዝግዛእ ዝገበረ ተሃድሶ ሱር ቦቆስ ለውጢ ኣምፂኡ እዩ።
ኣገልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
21መጋቢት 2018 ዓ.ም