Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 46 ሚሊየን ዜጋታት ንመረፃ ተመዝጊቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ን7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ልዕሊ 46 ሚሊየን ዜጋታት ተመዝጊቦም ኢሉ።

ካብ 28 ለካቲት ጀሚሩ ምዝገባ መረፅቲ ብኣማራፂታት ዲጅታልን ማኑዋልን እናተወገነ ይርከብ።

ከይዲ ምዝገባ መረፅቲ ኣመልኪቶም እቲ ቦርድ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ፤ ምዝገባ መረፅቲ ካብ ዝጀመረሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ 46 ሚሊየን 732 ሺሕን 895 መረፅቲ ተመዝጊቦም።

ንመራፅነት ካብ ሞንጎ ዝተመዝገቡ ዜጋታት እቶም 21 ሚሊየን 515 ሺሕን 693 ደቂ ኣንስትዮ እንትኾና፤ 25 ሚሊየን 217 ሺሕን 202 ድማ ደቂ ተባዕትዮ ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.