Fana: At a Speed of Life!

ንልምዓት ሲቪል ኑክሌር ኢነርጂ ኢራን ሓገዝ ቻይና  

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍኤምሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዪ ንልምዓት ሲቪል ኑክሌር ኢነርጂ ኢራን ዘለዋ ሓገዝ ክትቅፅል ኢያ ኢሎም።

እቶም ሚኒስትር ምስ ኢራን መዘነኦም ኣባስ ኣራግቺ ኣብ ቤጂንግ ተዛቲዮም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ዋንግ ዪ ከምዝበሉዎ፤ ኢራን ወታደራዊ ኑክሌር መሳርሒ ንዘለዋ ቆራፅነት ቻይና ትንእድ።

ኢራን ንሰላማዊ ኣገልግሎት ዝውዕል ልምዐታ ኑክሌር ኢነርጂ ናይ ምክያድ መሰል ከምዘለዋ ብምሕባር፤ ነዚ ድማ ቻይና ሓገዛ ከምትቕፅል ኣረጋጊፆም።

ከም ፀብፃብ ኒውስዊክ፤ ኲናት ኣሜሪካ/እስራኤልን ኢራንን ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ዋንግ ዪን ኣራግቺን ሰላም ምዕሳል ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ብውሕዱ ሰለስተ ግዘ ብስልኪ ተዛቲዮም።

ድሕሪ እቲ ኲናት ብኣካል ብምርኻብ እንትዛተዩ ናይ ሕዚ ፈላማይ ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.