Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ 10 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ዕቤት እተመዝግብ ብሕታዊት ሃገር ኢያ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ 10 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ዕቤት እትመዝግብ ብሕታዊትን ሃገር ኢያ ኢሎም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ኢንዱስትሪ ፓርክ ገላን ጉራ መሪቖም ኣብ ዝኸፈቱሉ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ለውጢ ዝመፅእ ብስራሕ ጣራሕ ስለዝኾነ ክንተግህ ኣለና ኢሎም፡፡

ምዕባለ ኢትዮጵያ ብሓባር ክንርኢ ኢና ደቅና ብፍፁም ኣይልምኑን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣነ እውን ንስኻትኩም እውን እንተዘይሰሪሕና ለውጢ ኣይመፅእን ክብሉ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝተጀመሩ ስራሕቲ ውፅኢት እናምፅኡ ከምዝርከቡ ብምግላፅ፥ ሰባት ከወፃኢ እናመፅኡ ብልፍዓትና ዝተረኸበ ውፅኢት እናድነቐ ኣብ ዝርከቡሉ ኩነታት ንሕና ኣይረኣናን ክንብል የብልናን ኢሎም፡፡

ብዝሰራሕናዮ ስራሕ ካልኦት ስለዝተደነቑ እንተይተዘናጋዕና ብዝበለፀ ዝሐሸ ስራሕ ንምስራሕ ክንለዓል ኣለና ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ብ10 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ከምትዓቢ ብምሕባር፥ ኣብ መላእ ኣፍሪካ በዚ ልክዕ ትዓቢ ሓንቲ ሃገር የላን ክብሉ ገሊፆም፡፡

ብወንድማገኝ ጸጋዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.