ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ 15 ሜዳሊያታት ኣኪባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብኣሰናዳእነት ጋና እናተኻየደ ኣብ ዝቐነየ መበል 24 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ 15 ሜዳሊያታት ብምእካብ ውድድራ ዛዚማ።
ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ኣጃይባ ኣልዩ፣ ምስጋና ሃይሉ፣ ገመቹ ጎዳና፣ ምስጋናው ዋቁማን ውብኣለም ሽጉጤን ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኦም።
ኣትሌት ኦታጌ ኦባንግ፣ ሙቢን ሃጂን ኣትሌት ሓጎስ ኢዮብን ሜዳሊያ ብሩር ዘምፅኡ ኣትሌታት ኢዮም።
ኣትሌት ኣልማዝ፣ ሳሙኤል ፍሬው፣ ዝይን ኣየልኝ፣ በፀሎት ኣለማየሁ፣ ኣሰፉ ኣብርሃን ኣብዱልሰላም ኣብዱልዋሂብን ሜዳሊያ ነሓስ ብምምፃእ ሽም ሃገሮም ኣፀዊዖመ።
ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓብዪ መድረኽ ስፖርት እታ ኣህጉር ብ32 ደቂ ኣንስትዮን 31 ደቂ ተባዕትን ብሓፈሻ 63 ኣትሌታት ጥንኩር ተሳትፎ ገይራ።
ዝተመዝገበ ዓወት ልዕልነት ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያን ኣብ መድረኽ ኣፈሪካ ዳግም ኣመስኪሩ።