Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ጉባኤ ስታትስቲክስ ልምትን ሉኣላዊነት ሓበሬታን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ስታትስቲክስ ልምትን ሉኣላዊነት ሓበሬታን ዘድሀበ ጉባኤ ይካየድ ኣሎ፡፡

”ሉኣላዊነት ሓበሬታ ንናፅነት ፖሊሲ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝተሰናደአ ሃገራዊ ጉባኤ፤ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዘመዝገቶም ዓወታትን ቀፀልቲ ኣንፈታትን ብዕምቆት ክድህሰሱ ኢዮም።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዘፍለጦ፥ ‎ኢትዮጵያ ትልሚ ልምዓታ ከምኡ እውን ዓወታታት ብሓበሬታን ብኣሃዛዊ መረዳእታን ምስናድ ካብ ትጅምር ፀኒሓ ኢያ።

እዚ ስጉምቲ ኢትዮጵያ ከዚህ ቅድሚ ሕዚ ብካልኦት ዝድገፉን ብዝተበታተኑ መኽዘን ሓበሬታታትን ዝነበራ ሙሉእ ፅግዕተኛነት ንምፍታሕ ዘርአየቶ ልዑል ቆራፅነት መረጋገፂ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

እዚ ሓዱሽ ምዕራፍ ሉኣላዊነት ሓበሬታ እዛ ሃገር ብተግባር ብምርግጋፅ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ባዕላ ሓበሬታ ብምምርኳስ ንኽትውስንን ናይ ባዕላ መስመር ልምዓት ንኽትትልምን ዘኽአለ ከምዝኾነ እውን እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.