Fana: At a Speed of Life!

ጉዕዞ ሉኣላዊነት ሓበሬታ ኢትዮጵያ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓለም ሉኣላዊነት ዝድፈር ብወረራ ዶብ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓበሬታ ብምምስራቕ እውን ኢዩ።

ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣብትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ እናወደቓ ኣብ ዝርከባሉ ዘበን፤ ሓበሬታኻ ምቁፅፃርን ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅን ጉዳይ ህልውና ኢዩ።

ኢትዮጵያ ናይ ወፃኢ ፅዕንቶ ብምስባር ኣብዚ መዳይ ቀዲማ እናሰጎመት ትርከብ።

ካብ ሞንጎ ዝወሰደቶም ስጉምቲታት ሓደ ናይ ሰለስተ ዓመት ስታቲስቲካል ፕሮግራም ልምዓት ብምሕንፃፅ እናተግበረት እንትትከውን፤ እቲ ፕሮግራም ከም ሃገር ሓበሬታ ኣብ ምፍልፋልን ምትንታንን ዝነበረ ፅዕንቶ ናይ ወፃኢ ኣካላት ኣትሪፉ ኢዩ፡፡

ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን ቆፀራ እዋን ትካላት ኢኮኖሚ ምክያድ ከምዝነበረ 2 ነጥቢ 6 ሚሊየን ትካላት ኢኮኖሚ ከምዘለዉ ምርግጋፅ ተኻኢሉ።

ድሕሪ 23 ዓመታት 92 ሚኢታዊ ብኣካል፣ 8 ሚኢታዊ ድማ ብሪሞት ሴንሲንግ ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ቆፀራ ሕርሻ ከምዝወገነ እውን ተሓቢሩ።

ናይዚ ድምር ውፅት ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ፅዕንቶ ወፂኣ ብናይ ባዕላ ሞዴላት ትንበያ ኢኮኖሚ ንኽትሰርሕ ዘተኣማምን እታወታት ፖሊሲ ንኽህሉ ከምዘኽአለ ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብብርኪ ዓለም ተኣማናይነት ሓበሬታን ዝዓበየ እንትኸውን ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ካሊእ ተፀራሒ ዓወት ኢዩ።

እዞም ዓወታት ዝድህሰሱሉ “ሉኣላዊነት ሓበሬታ ንፖሊሲ ናፅነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተሰናደአ ሃገራዊ ጉባኤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ እናተኻደ ይርከብ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.