ቃላይ ሃሮማያ ዳግማይ ምውላድ ፍረ ሓምላይ ኣሰር እዩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ዳግማይ ምውላድ ቃላይ ሃሮማያ ሓደ ካብ ፍረታት ሓምለዋይ ኣሰር እዩ ኢሎም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ሓምለዋይ ኣሰርን ጉድኣት ተፈጥሮ ይፍውስ ከምዘሎ ቃላይ ሃሮማያ ህያው ኣብነት ምዃኑ ገሊፆም።
እቲ ኣብ 1996 ምሉእ ብምሉእ ዝጠፍአ ቃላይ ሎሚ ሳላ ሓምለዋይ ኣሰር ፀጋታት ዕቃበ ሃፍቲ ተፈጥሮ ናብቲ ናይ ቀደም ፅባቐኡን ቅርፁን ተመሊሱ ኣሎ ኢሎም።
እዚ ድማ ሓምለዋይ ኣሰር ንልምዓት ኣካላት ማይን ንተፋስስን ኢትዮጵያ ቁልፊ ተበግሶ ምዃኑ ዘረጋገፀ ምዃኑ ገሊፆም።