እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ትገብሮ ኢንቨስትመንት ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ – ኣአምባሳደር ኣብረሃም ንጉሴ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ትገብሮ ኢንቨስትመንት ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ኢሎም ኣአምባሳደር እስራኤክ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብረሃም ንጉሴ (ዶ/ር)፡፡
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣምባሳደራትን ኣባላት ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ፍሉይ ዞባታት ኢኮኖሚ ዑደት እናገበሩ ይርከቡ።
ኣምባሳደር ኣብረሃም ንጉሴ (ዶ/ር) ኣብዚ ሕዚ እዋን ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበሉዎ÷ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጥንኩር መሰረት ዝተሃነፀ ኢዩ።
ብፍላይ ኣብ ሕርሻ ቴክኖሎጂ፣ ጥዕና፣ ስራሕቲ ፈጠራን ልምዓት ሓይሊ ሰብን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም።
ካብ ምትእስሳራት ሕርሻን ንግዲን ብተወሳኺ ኣብ ድሕንነት ሳይበር፣ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን ልምዓት ዘበናዊ መሰረተ ልምዓት ሕክምናን ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብፃሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ትካላት ቴክኖሎጂ እስራኤል ጉዕዞ ዲጂታላይዜሽን ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ልዑል ድሌት ከምዘለዋ ተዛሪቦም።
ርክብ ምስ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት፣ ታሪኻዊ ሓድጊታትን ማሕበረሰባት ንምጥንኻር ኢኮኖሚን ምትእስሳር ዲፕሎማሲን ልዐል ዓምዲ ከምዝኾኑ እውን ኣመልኪቶም።
ብግዛቸው ግርማዬ