Fana: At a Speed of Life!

ምሕዝነት ኢትዮጵያን ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብን ሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ንምርግጋፅ…

‎ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምሕዝነት ኢትዮጵያን ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብን ሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ንምርግጋፅ ወሳኒ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብ ሼኽ ሻኽቡጥ ቢን ናህያን፡፡

ሼኽ ሻኽቡጥ ቢን ናህያን ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት እናዓበየ መፂኡ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ወርሒ መጋቢት ናብ ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብን ዝገበሩዎ ዑደት ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ዘጠናኽር ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

ርክበን ድማ ኣብ ዓውዲታት ንግዲ፣ ሕርሻ፣ መሰረተ ልምዓትን ኢነርጂን ዘድሀበ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ቀፃሊ ዝኾነ ዕቤት እናርአየ ይርከብ ኢሎም፡፡

በዚ ድማ ርክብ ኣመራርሓ ክልቲአን ሃገራት እቲ ዞባ ንምርግጋእን ሓበራዊ ልምዓት ንምድንፋዕን ዘለዎ ቆራፅነት ዘንፀባርቕ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ረብሓ ህዝቢ ዝሕሉ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘላቒ ልምዓት ናይ ነዊሕ እዋን ራኢ ብመሓዝ ከምትሰርሕ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ እዋን ጉባኤ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ፕሮጀክታት ቴክኖሎጂ ንምድጋፍን ኣብ ኣፍሪካ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊ ልምዓትን ንምስፍሕፋ ሓገዝ 1 ቢሊየን ዶላር ከምዝሃበት እውን ኣፍሊጦም፡፡

ብኣህመድ ኣቡዱልባር

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.