መረፃ ተኣማኒ ንኽኸውን መራኸብቲ ሓፋሽ ልዑል እጃም እናተፃወታ ይርከባ – ወ/ሮ እናትኣለም መለሰ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከም መረፃ ኣብ ዝበሉ ወሰንቲ ሃገራዊ ከይዲታት ግደ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣዚዩ ዕዙዝ ኢዩ ኢለን ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናትኣለም መለሰ።
ግልጋግሎት ዜና ኢትዮጵያን በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያን “ንዕዉት ዴሞክራሲያዊ መረፃ ግደ መራኸቢ ሓፋሽ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብሓባር ኣብ ዘሰናድኡዎ መደረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ፡፡
እቲቲ መድረኽ ዴሞክራሲያዊን ፍትሓዊን መረፃ ምክያድ ሓበራዊ ሓላፍነት ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ከምዝኾነ ንምግንዛብ ተሓሲቡ ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናትኣለም መለሰ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ከም መረፃ ኣብ ዝበሉ ወሰንቲ ሃገራዊ ከይዲታት ግደ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣዚዩ ዕዙዝ ኢዩ።
መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ምርድዳእ ኣብ ምፍጣር፣ ፖለቲካዊ ንቕሓት ዜጋታት ብምጉልባትን ተሓታትነት ዝዓሰሎ ስርዓትን ክፍጠር ኣብ ምግባር ልዑል ዓቕሚ ኣለወን ኢለን።
ከይዲ መረፃ ግልፅነትን ተሓታትነትን ብዘለዎ መልክዑ ብምክትታልን ብምግንዛብን፣ ሰላማዊ፣ ዴሞክራሲያዊ፣ ኣሳታፊን ተኣማኒን ኮይኑ ንኽዛዘም ሓላፍነቶም ክዋፅኣ ከምዘለወን ኣገንዚበን።
ኣብ ዝተረፉ መዓልቲታት መረፃ እዚ ስረሐን ኣጠናኺረን ንኽቕፅላ ምትሕስሳበን ግዜኢ ፀብፂቡ።