ኣብ ከይዲ መረፃ ዝለዓሉ ጥርዓናት ብልዝብን ብመረዳእታን ይፍትሑ ኣለዉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ከይዲ መረፃ ዝለዓሉ ጥርዓናት ብልዝብን ብመረዳእታን ይፈትሕ ኣለኹ ኢሉ።
ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ እናተሳተፉ ዝርከቡ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ከይዲ ምዝገባ መረፃ ኣጋጢሞምና ዝበሉዎም ፀገማት እናቕረቡ ይርከቡ።
ብፍላይ ትሕብብር ንሓድነት ኢትዮጵያ (ትብብር) ኣብ ሓደ ሓደ ከባታት ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ኣብ እዋን ምዝገባ ሕፁያ ምንግልታዕ ኣጋጢሙና ብዝብል ዝቐረቡ ጥርዓናት ብዋናነት ዝፅርሑ ኢዮም።
እዞም ጥርዓናት ብዝምልከት ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ፃንሒት ዝገበሩ ሓላፊ ዘፈር ህንፀት ባህሊ ዴሞክራሲ ፓርቲ ብልፅግናን ፈፃሚ ስራሕ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካን መለሰ ኣለሙ መብርሂ ሂቦም።
ኣብ መብርሂኦም ድማ ኣብ ከይዲ መረፃ ዘጋጥሙ ፀገማት ንምፍታሕ በቢብርኩ ምስዝተወደቡ ሓራዊ ኣቢያተ ምኽሪ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ኣብ ዝኾኑ ዞባታት፣ ምምሕዳር ከተማታትን ወረዳታትን ሓበራዊ ኣቢያተ ምኽሪ ከምዝተወደቡ ብምግላፅ፤ ፓርቲታት ዘጋጥሙዎም ፀገማት ብመረዳእታ እንተቕርቡ ብናፅነት ልዝብ ብምግባር ብህፁፅ ክፍትሑ እናተገበረ ይርከብ ኢሎም።
ኣብዚ ሰሙን ጥራሕ ናብቲ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ካብ ዝቐረቡ 69 ዝተፈላለዩ ጥርዓናት ፓርቲታት ፖለቲካ እቶም 60 ሙሉእ ብሙሉእ መፍትሒ ከምዝረኸቡ ገሊፆም።
ዝተረፉ 9 ጉዳያት ድማ ኣብ ከይዲ ይርከቡ ኢሎም።
ብሶስና ኣለማየሁ