ፖሊስ ፌደራል እዋኑ ዝጠልቦ ቴክኖሎጂ ብምዕጣቕ ዓቕሙ ኣዕብዩ – ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ ሚካኤል
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ እዋኑ ዝፀልቦ ቴክኖሎጂ ብምዕጣቕ ዓቕሙ ኣዕብዩ ኢሎም ዋና ኣዛዚ እቲ ትካል ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረ ሚካኤል።
መበል 117 መዓልቲ ምጥያሽ ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ዩኒቨርስቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ይኽበር ኣሎ።
ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ ሚካኤል ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዶባት ሃገርና ክኽበርን ዜጋታት ብናፅነት ክንቀሳቐሱን ኣብ ምግባር ፖሊስ ዓብዩ ግደ ይፃወት ኣሎ።
እቲ ትካል ገበን ኣቕዲሙ ኣብ ምክልኻልን ልዕልነት ሕጊ ብምርግጋፅን ኣብ ኣፍሪካ ብቑዕን ዘተኣማምንን ደረጃ ከምዝርከብ ገሊፆም።
ኣብ ምክልኻል ገበንን ተዛመድቲ ትግበራታት ስርዓት ፖሊስን ዲጂታላዊ ናብ ስራሕ ብእታው ስራሕቲ ፖሊስ ዘመናዊ ንምግባር ከምዝኸኣለ ኣብሪሆም።
እቲ ትካል ኣብ ሓፂር እዋን ገበናት ሳይበር ፣ ፋይናንሳዊ ምትላልን ዝተሓላለኹ ዲጂታላዊ ኣሰርን ብምትንታንን መርትዖታት ብምቕራብን ኣብ ኣፍሪካ መሪሕ ወሃቢ ቴክኖሎጂ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ውሑዳት ምዕቡላት ሃገራት ዘለወን ኣፅዋር ብምዕጣቕ ምስ ግዜ ትኸይድ ከምዝርከብ ኣመላኺቶም።
ብወንድሙ ኣዱኛ