Fana: At a Speed of Life!

7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣካታታይን ኣሳታፊ ነይሩ – ኡሁሩ ኬንያታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣካታታይን ኣሳታፊ ነይሩ ኢሎም መራሒ ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካን ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፡፡

ኡሁሩ ኬንያታ ኢትዮጵያ ዘካየደቶ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ እቲ መረፃ ኣካታታይን ኣሳታፊን ንኽኸውን መንግስቲ ዝገበሮ ፃዕሪ ንኢዶም፡፡

ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካ ስራሕቲ ቅደመ መረፃን ምድላዋት መረፃን ብዝምልከት ቅነት ከምዝገበረ ኣዘኻኺሮም፡፡

ከይዲ ምሃብ ድምፂ ብዝምልከት ምስ ሓለፍቲ ቦርድ፣ ምስ ትካላት መንግስቲ፣ ምስ ኣባላት ተናሓናሒ ፓርቲ፣ ምስ ሲቪክ ማሕበራትን ዝተፈላለዩ ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ ልዝብ ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዕለት ምሃብ ድምፂ ኣፈፀምቲ መረፃ መረፅቲ ብግቡእ ከምዘተሓባበሩ ብምሕባር፥ ኣካላት ፀፅታ ዘይሻራውነቶም ብዝሓለወ መልክዑ ከይዲ ምሃብ ድምፂ ከምዘፈፀሙ ኣብሪሆም፡፡

ህዝቢ ነዋሕቲ ታራታት ብምሕላው ብትዕግስቲ እናመረፀ ከምዝነበረ ብምግላፅ፥ እቲ ኩነት ዓለም ለኸን ናይ ውሽጢ ሃገርን መራኸብቲ ሓፋሽ ሽፋን ከምዝሃቡዎ ገሊፆም፡፡

እቲ መረፃ ኣብ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንምህናፅ መሰረት ዘንብር ኢዩ ኢሎም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣካታታይን ኣሳታፊን መረፃ ንምግባር ዝገበሮ ፃዕሪ ብምንኣድ፤ ኣብታ ሃገር ብዝሃነት ንምርግጋፅን ማዕረ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ንኽዓስል ተወሳኺ ፃዕሪታት ምግባር ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

እቲ ሕብረ ኣብ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንኽፍጠር ዝገብሮ ሓገዝን ምኽረ ሓሳብ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋጊፆም፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.