Fana: At a Speed of Life!

በቢጣቢያኡ ድምፂ ዝተውሃበሉ ሓበሬታ ኣብ ክልላት መረፃ ይድመር ኣሎ – ቦርድ መረፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ በቢጣቢያኡ ድምፂ ዝተውሃበሉ ሓሬታ ናብ ክልላት መረፃ ከይዱ ስራሕቲ ምድማር ይስራሕ ኣሎ ኢሉ።

ኣካቢት እቲ ቦርድ ሜላትወርቅ ሃይሉ ከምዝበለኦ፤ ትማሊ ጣቢያታት መረፃ ቆፀራ ድምፂ ዛዚሞም ኣብ ጣቢያታት መረፃ ውጥት ለፂፎም።

በቢጣቢያኡ ድምፂ ዝተውሃበሉ ሓበሬታ ናብ ክልላት መረፃ ብምኻድ ስራሕቲ ምድማር እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን።

ቅድም ኢሎም ከይዲ ምሃብ ድምፂ ዝዛዘሙን ቆፀራ ድምፂ ዛዚሞም ውፅት ዝለጠፉ ጣቢያታት ሰነዳት ናብ ክልላት መረፃ ዝለኣኹዎ ሰነድ ናብ ማእኸል ጉዕዞ ከምዝጀመሩ ፀሪሐን።

እቲ ውፅኢት ናይ ምድማር ስራሕ ልዑል ጥንቃቐ ዝሓትት ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ በቲ ቦርድ ኣብ ዝተሰናድኡ ቅጥዒታት ብግቡእ ተመሊኦም ተሰናዲኦም ክመፅኡ ኣለዎም ኢለን።

ብብርኪ ጣቢያ መረፃ ድምፂ ምስተውሃበ ብውፅኢት መመስከሪን መፍለጢን ቅጥዒ እቲ ውፅኢት ይምላእ፤ ሕድሕድ ሕፁይ ዝረኸቦ ውፅኢት ብቑፅሪ ይግለፅ ክብላ ኣብሪሀን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.